ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጉዕዞ ክርስትና ዝተባህለልና ካልእ እንነብሮ ከኣ ብኣንጻ ኽከውን ንዕዘብ ኢና። እግዝኣብሄር ኣምላክ ንደቂ ሰባት ክፈጥሮም ከሎ ዝሃቦም ክብርን ስልጣንን ኣዝዩ ዓሚቁን ሓያልን ምንባሩ ዝተፈላለዩ ነብያት ድሕሪ ነዊሓ ዓመታት ከይተረፉ ኣዘንቲዮምሉ ኢዮም።
“ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ:: ” መዝ -8፣1
ኣዳምን ሄዋንን ዋላ ሓደ ዘይበሎም ክንሱ ብከምኡ ዝተዋህቦም ሓይልን ስልጣንን ስለዘየስተውዕልዎ ገለ ምስ ገበሩ ክርከብዋ ዘለዎም ፍሉይ ስልጣን ውይ ኣምላኽ ምካን ዝብል ድምጺ ሰይጣን ተቀቢልዎም ናብ ዝይምለስ ገድሊ ሸለው በሉ። ኣብ ታሪክ ደቂ እስራኤር ጸሊም ታርክ ዘለዋ ጉልያድ ንዕቀቱ ክሳብ ዓንቀሩ ስለዝብጽሐ. ////////////////////// ከባጩ ከሎ ምክንያቱ ብዛዕባ ርእ ሶም ዘለዎም ምርዳኣእ ዓቢ ኣፍደገ ኮይንዎ’ዩ። ማለት ባሮት ስኦል ኢሉ ምስመዖም ምላሽ እካ ኣይረከብን።
ዳዊት እቲ ንኡስ ክጅምር ከሎ መንነቱ ብምፍላጥ’ዩ ዝተበገሰ ፣ እዚ ዘይተገዝረ ፍልስጤማዊ በሎ። ኣይተገዝረን ማለት ኪዳን ኣምላክ ዘይብሉ ካብ ሓለዋ ኣምላክ ዝወጸ’ዩ ንምባል ኮይኑ ንሕና ከምኡ ኣይኮናን ብምባል ‘ዩ ብዓወት ዘሪሩ ንህዝቢ ኣምላክ ዓወት ዘጋናጸፎም።
ራኢና ብተመሳሳሊ መንገዲ ዳግም ተወሊዶም መን ምካኖም ስኣን ምፍላጦም ብፍርሓትን ራዕድን ዘለው ክርስትያንት ናብቲ ኣምላክ ዝመደበሎም ሓቀኛ መንነት ብቁዓት ምካኖም የበራትዕን የፍርን።