ኬብሮን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰርቲፊከት 2ይ ክፋል Advanced certificate

Current Status
Not Enrolled
Price
$360
Get Started
or
bibleschool
Materials

ትምርትታት ብጽእና
ብጹእ (ብጽእና) ዝብላ ቃላት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ
ኣምጺእናየን ሓደ ሰብ ብስርሑን ብትምርቱን ብጉዩኡን፡ መንገዱን ፍጹም
ምስ ኮነ ዝወሃብ ሽም ኮይኑ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ብኸምኡ ነቶም እተን
ዝስዕባ ነጥብታት ዘማልአ ብጹኣን ክብሎም ከሎ ኢና ንርኢ።
ብጹእ ማለት ቃል ብቓሉ ምስጉን ወይ ዝተባረኸ ብሩኽ ማለት እዩ።
ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሕቲ ዘርዚርና እንሪኤን ዘማልኡ ብጹኣን
ኢልዎም። ኣብዚ ከነስተዉዕሎ ዝግባእ ሓቂ ቅድሚ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ
ቅድሚ ምሟቱን ምትሱኡን ዝተዛረቦ ኾይኑ ካልኣይ ክንፈልጦ ዝግባእ
ሓቂ ከኣ ምስ ሓድሽ ኪዳን ዘለና ኣመንቲ ምዝማድ ምስ እዚ ናይ ጸጋ
ትምርቲ ኣስዒብና ክንርእዮ ኢና።
ማቴዎስ 5 (Matthew)
1፤ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ ደቀ
መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ።
2፤ ኣፉ ኸፈተ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም
3፤ ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን
እዮም።
ካብዛ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናያ ክፍሊ መጽሓፍ
ቅዱስ እነዉጽአን ሓሳባት እዘን ዝስዕባ እየን
1) ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ክመጽእ ምስ ረኣየ ናብ ከረን ደየበ
ኣብዚ ከነስተዉዕሎ ዝግባእ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣቐድም
ኣቢሉ ኣብ ማቴዎስ 4ይ ምዕራፍ ዝገበሮ ተኣምራት ካብ ዝተፈላለዩ
ከተማታትን ወረዳታትን ህዝቢ ከም ዝሳዓቦ ኢና ንርእይ።ከነስተዉዕሎ ዝግባእ ሓቂ ግን "ደቂ-መዛሙርቱ ናብኡ ቀረቡ" ትብል
ከነስምረላ የድሊ።
ቀረቡ ማለት ክፈልጡ ክምርሃሩ ክሰምዑ ዝተኣከቡ ኮይኖም ኣብ መጽሓፍ
ቅዱስ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝደሊ ከኣ
ተዛሪቡ ኣሎ።
(መዝ119፥151 መዝ145፥18 ኢሳ50፥8 መዝ16፥8
መዝ34፥18 መዝ73፥28 ኤር23፥23 እብ7፥19 እብ10፥22 ያእ4፥8
ግብ17፥26-28)
ቀረቡ ዝብል ቃል ድሌቶምን ጽምኣቶምን ሃረርትኦምን ዘመልክት
ኮይኑ ጎይታ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ከም ዝደሊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና
ንረኽቦ።
2) ናብ ከረን ደየበ
ጎይታ የሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኮይኑ ቃል ኣምላኽ
ይነግር ነበረ።
ንኣብነት፡- ኣብ ቤት ኣብ መንገዲ፡ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ኮይኑ የገልግል እኳ
እንተ ነበረ፥ ብተደጋጋሚ ግን ኣብ ከረን ወጺኡ ይሰብኽ ነበረ።
(ማቴ24፥3 ግብ1፥12 ማቴ5፥2 ማር9፥2፡)
ኣብዚ ከነስተዉዕሎ ዝግባእ! ጎይታ ዝጀመሮ ጥራይ ዘይኮነ እቶም ኣብ
ብሉይ ኪዳን ኣብ ከረን ኮይኖም ይጽልዩ፡ ገሊኦም ኣብኡ ዝመጸሎም
"ራእይ" ንህዝቢ ከመሓላልፉ ኢና ንርእይ።
(መዝ139፥8 ምሳ15፥3 ኢሳ66፥1 ኤር23፥24 ግብ17፥26-28
ዘዳ4፥39)
ካብዚ ዝተላዕለ እዩ ዝመስል ገለ ገለ ዘይደሓኑ ወይ ድማ ንኣምላኽ
እስራኤል ዘይፈልጡ ሰባት ንእግዚኣብሄር ሽም ክህብዎ ከለዉ "ኣምላኽ
ከረን" ዝብል ሽም ለጢፎሙሉ ኢና ንርእይ።3) ክምህሮም ጀመረ
ጎይታ የሱስ ክርስቶስ 80% ኣቢሉ ይኸዉን ብገምጋም ኣብተን
4ተ ወንጌላት፥ ናብ ትምርቲ ሓይሉ ከም ዝነበረ ኢና ንርእይ። ፈዉስን
ትንቢትን፡ ምግላጽን ተኣምራትን ቀልቢ ኣእምሮ ሰብ መስሓቢ ደኣ እንበር
ናብ ዘልኣለም ሂወት ከም ዘየምጽእ ስለ ዝፈለጠ፥ ንሓዋሩ በርኸት ክህቦም
ዝኽእል፡ ምስ ኣምላኽ ከኣ ከራኽቦም ዝኽእል "ቃል" ኣብ ምምሃር
ይተግህ ነበረ።
(ዮሃ7፥14 ዮሃ8፥2 ዮሃ3፥2 ሉቃ5፥3 ሉቃ4፥15 ማቴ23፥25 ቆሎ2፥3
ማቴ4፥23 ማቴ5፥2 ማቴ7፥29 ማር6፡34)
4) ናብኦም እንዳ ረኣየ መሃረ
ሉቃስ 6 (Luke)
20፤ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ ኣቱም ድኻታት
መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ ብጹኣን ኢኹም።
ኣብዚ ዘርእየና ናብቶም ደቂ-መዛሙርቱ እንዳ ረኣየ ስለ ዝመሃረ
ብቐጥታ እተን መልእኽታቱ ዝበዝሐን ክፋለን ንኣመንቲ ምዃኑ ኢና
ንርዳእ።
5) ብመንፈስ ድኻታት
ማቴዎስ 5 (Matthew)
3፤ ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን
እዮም።
ዝበዝሐ ግዜ "እቶም ብመንፈስ ድኻታት" ክንበሃል ከለና በየሱስ
ስም ኢልና ክንእለየሉ ክንሃድመሉ ኢና ንርአ።ብመንፈስ ድኻታት ንዓለማዊ ጎይታ ዘይተቐበለ ዘይኮነስ ቅንኣትን
ጽምኣትን ድሌትን ሃረርታን ንኣምላኽን ቃሉን ዘለዎ ምምላእ ዝደሊ ሰብ
ተመልክት እያ።
ብቐንዱን ብቐረባን ከኣ ናብ ደቂ መዛሙርቱ እንዳ ረኣየ ስለ ዝተዛረበ
ነቶም ድሌት ኣምላኽ ዘለዎም ከም ምልክት ከኣ ናብኡ ዝቐረቡ ደቂመዛሙርቲ ንኹሉ ክርስትያን ትምልከት ጽሕፍቲ እያ። (ሉቃ5፥1-14
ሉቃ18፥9-14)
6) ብመንፈስ ጽጉባት ከ ኣለዉ ድዮም?
ማቴዎስ5 (Matthew)
3፤ ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን
እዮም።
ኣብዚ ከነስተዉዕሎ ዘለና ድኻታት ካብ በልና ሃፋትም ከ ኣለዉ
ድዮም? ንዝብል ሕቶ ዝመስሎም እምበር ብትኽክል ንዘይረኸቡ ሰባት እዩ
ዘመልክት።
ናይ እግዚኣብሄር ነገር ዘይመልኣሎም ግናኸ ከም ዘለዎም ሃይማኖትን
ባህልን እተሸከሙ እሞ ብናይ ኣምላኽ ነገር ዝመልኡ ዝመስሎም ግን
ዕሩቓትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉናትን ምዃኖም ባህርያቶም ከኣ ከም
ዘቅቡል ምዃኑ እዩ ዝዛረበሉ። (ሉቃ12፥2 ራኢ3፥17 ሉቃ18፥11-12
ማቴ11-5 2ቆሮ8፥9 ኢሳ29፥19 መዝ34፥18 መዝ51፥17 ኢሳ66፥1-
2 ኢሳ57፥15)
7) ብመንፈስ ድኻታት ምስጉናት እዮም
ማቴዎስ5 (Matthew)
3፤ ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን
እዮም።(ሉቃ6፥20 ማቴ25፥34 ሉቃ7፥20 ዮሃ3፥3 ግብ17፥22 2ጢሞ1፥5
ያቆ2፥5)
ዝያዳ መብርሂ
 ማቴዎስ 5ይ ምዕራፍ ካብ 1 ክሳብ 12 ዘሎ ጽሑፍ፥ ምስ ሉቃስ
6ይ ምዕራፍ ካብ 17 ክሳብ 49 ዘሎ ብምንጽጻር ኣንብቦ።
 ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ናብኡ ንዝተጸግዑ ደቂመዛሙርቱ ክብለና ከሎ ዛጊት ጎይታ የሱስ ሃዋርያት ኣብ
ዘይሰመየሎም ግዜ ማለት ኮይኑ ደቂ-መዛሙርቲ ማለት
ከኣ"ሰዓብቲ"ተኸተልቲ ክርስቶስ ጥራይ እዮም ኔሮም።
ዮሃ8፥31
 ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣፉ ከፊቱ ክምህር ጀመረ ምባሉ
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎት ዘመኑ 43ግዜ ከም ዝመሃረ እቶም 4ተ
ወንጌላት ክነግሩና ከለዉ 19ግዜ ከኣ ሰቢኹ ይብሉ እሞ 6ተ ግዜ ኸኣ
ስብከትን ትምርትን ብሓንሳእ ከም ዘካየደ ምንጋሮም የሱስ ክርስቶስ ካብቲ
ዝሰብከሉ ዝነበረ፡ ብዕጽፊ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ይበዝሕ ከም ዝነበረ ስለ
ዝነግረና ብትምርቲ ክንጸቅጥ ከም ዘለና ሂወት ዝቕይር ንሱ ምዃኑ
ንኣምን።
 ድኻታት ዝብል ቓል ዝተፈላለየ ትርጉም ክህልዎ ከሎ ኣብ ዝተፈላለየ ቛንቛ
ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ግን መንፈሳዊ ጽምኣት ዘለዎም፡ ወለሓደ ዘይብሎም
ባዶ ምዃኖም ዝእመኑ ካብ እግዚኣብሄር ዝሓቱ ኮይኑ ደሓር ዳግም ምስ
ተወልዱ ዝረኽብዎ ዕጋበት እዩ ዝዛረብ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ
ማእከሎም ስለ ዝነበረት። ሉቃ17፥21 2ቆሮ5፥17 ሮሜ14፥18
2ይ ትምርትታት ብጽእና
 ዝሓዝኑ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ
ብጹኣን እዮም።
ማቴዎስ 5 (Matthew)4፤ ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ኣብዚ ከነስተዉዕሎ ዝግባእ ክልተ ዓይነት ጓሂ ከም ዘሎ እዩ።
1) ዓለማዊ ጓሂ፥ ማለት ብስእነት ገዛ፡ ገንዝብ፡ ቆልዑ፡ ሰብ ወይ ዉን
ካልኦት ሰባት ኣብ ናትካ ነገር ኣትዮም ክጎድኡኻ ከለዉ በቲ ሓደ፥
ርእስኻ ብርእስኻ ከኣ ኣዕሚቑካ ካብ ምሕሳብ ዝተላዕለ ንድሕሪት ዘኪርካ
ትጭነቖን ትጉህዮን ዓይነት ጓሂ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ጓሂ፡ ናብ ሞት ገጹ እንበር ናብ ንስሓ ወይ
ናብ ጣዕሳ ገጹ ከም ዘየምጽኣካ ኢዩ ዝዛረብ።
2ይ ቆረንቶስ7 (2 Corinthians)
10፤ ማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን
ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ።
2) ጓሂ ከም ፍቓድ ኣምላኽ፥
2ይ ቆረንቶስ 7 (2 Corinthians)
10፤ ማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን
ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ።
ጓሂ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ማለት ብዝገበርካዮን ብዝሓለፍካዮን
ሓጥያት ባዕልኻ ክኸዉን ይኽእል ወይ ዉን ናይ ካልኦት ሰባትን ነገርን፡
ጉድኣትን፡ ሓጥያትን ብምርኣይካ በቲ ሓደ ክኸዉን ከሎ፥ ናይ
እግዚኣብሄር ነገር ኣዕሚቑ ምስ ተረደኣካ ኸኣ በቲ ኻልእ እትጉህዮ እሞ፡
ነዚ ጉዳይ እዚ ንኽረጋጋእ ከኣ ናብ ኣምላኽ ትምለሶ፡ ናብ ንስሓ ዘምጽእ
ዓይነት ጓሂ እዩ። ህዝ9፥4 ራእ5፥3-5 ምሳ14፥13 ምሳ15፥13
ከምዚ ዓይነት ጉሂ ኮነ ዓለማዊ ጓሂ ብምልኡ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ
ከኣልዮን ክወስዶን መጺኡ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብ መወዳእታ ዉን ንሓዋሩ
ከም ዘይርከብ እዩ ተዛሪቡና። ኢሳ63፥1-3 ራእ21፥4 ኣምላኽ የጸናንዕ እዩ።
 ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም።
ጎይታናን መፍሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እዛ መልእኽቲ ዝተዛረባ
ብመሰረት ሉቃስ "ናብ ደቂ-መዛሙርቱ እንዳ ረኣየ" ክብል ድሕሪ
ምጽናሕ ማቴዎስ ከኣ ናብቲ ህዝቢ እንዳ ረኣየ (ገጹ እንዳ ጠመተ)
ይዛረብ ከም ዝነበረ ምዝራቦም ክልቲኡ ሓደ ኮይኑ ጥቕልል ብዝበለ
መልክዕ ግን ነቶም ዝሰዓብዎ ደቂ መዛሙርቱ ኮይኑ ነቶም ክስዕብዎ
ዝመጹ ኣሕዛብ ከይተረፈ ንብምልኦም ከም ዝነገሮም ኢልና ከነጠቓልሎ
ንኽእል ኢና።
ኣምላኽ ብመንፈሱ ጌሩ ከም ዘጸናንዕን ጎይታ የሱስ ሰማይ ምስ ከደ
ዝተሰደ መንፈስ ከኣ ሽሙ ከይተረፈ መንፈስ ምጽንናዕ ከም ዝኾነ ከኣ
ናይ ምጽንናዕ ስራሕ ከም ዝሰርሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና።
ዮሃ16፥7 ዮሃ14፥16 ዮሃ15፥26 ዮሃ14፥26 ማቴ9፥22 ኢሳ61፥1-3
2ቆሮ1፥3-4
ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ከም ዘጸናንዕ ከም
ዘለዎ ምዉሳዱ፥ ኣምላኽ ሓደ ኣስማቱ ኣምላኽ ምጽንናዕ ኮይኑ ኣብ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፥ ንዘመንና ሰጊርና
እንተ መጺና ዉን እግዚኣብሄር ብምጽንናዕ ዝፍለጥ ኣምላኽ ካብ ምዃኑ
ዝተላዕለ፥ ንሶም እቶም ንሱ ዘጸናንዖም፡ ንምጽንናዕ ካልኦት ክበቕዑ ከለዉ
ኢና ንርእይ።
ኢሳ66፥13 2ቆሮ7፥6 2ቆሮ1፥1-3 ኢሳ51፥2-12 ኢሳ12፥1 ማቴ9፥12
ማር5፥36 ሉቃ7፥13 ዮሃ14፥1-18 ዮሃ16፥22-23 2ተስ2፥16
 ዝተጸናንዑ የጸናንዑ እዮም።
ኢሳ40፥1 1ቆሮ14፥3 2ቆሮ2፥7 1ተስ4፥18 ዝኸበርካ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንብዙሓት ሰባት
ስለ ዘጸናንዖም ንሳቶም ንብዙሓት ከጸናንዑ ልሙድ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ እሞ ብቓል
ኣምላኽ ዝተጸናንዑ ከምቲ ኣብ ዘመነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈሉ ዘመን ሕጂ
ዉን ብቓል ኣምላኽ እንጸናናዕ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ድምጽን ሓይልን እንጸናናዕ
ብዙሓት ምዃንና ዝዝንግዎ ኣይመስለንን።
ኢሳ61፥3 ኢሳ63፥9 1ተስ4፥13

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *