መንፈሳዊ

$4.00

ሳዕቤን ቁጥዓ
“ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።” ምሳ 15 ፣ 1

ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ኮነ ተራ ስጋዊ መነባብሮ ቁጡዕ ሰብ ካብ ዓወት ይትረፍ እዩ ምኽንያቱ ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርንዩ። ብፍላይ ኣብቲ ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
’’ ከመይ ኩራ ሰብ ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ቅኑዕ ህይወት ኣይበጽሕን እዩ ይብለና። ’’ ያቆ 1 ፣ 20 ቁጡዕ ሰብ ማለት ዝቁጣዕ ሰብ ማለት ኣይኮነን። ኣብዛ ዓለም ክሳዕ ዘለና ብብዙሕ ነገር ዝቆጠዓካ ነገር ኣይስኣንን`ዩ———–

መጽሓፍ ብርሃን    ብሃዋርያ ሕነሽም ኢትዮጵያ  እትጽሓፍ መንፈፍሳዊት መጽሓፍ ያ።

ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣለና።

ብርሃን ማለት በረኸት፣ ለውጢ፣ ምሕዳስ፣ ምስጋር፣ ምፍዋስ…. ነዚ ዝመስል ካልእ’ውን ዝሓዘ እዩ። እግዚኣብሄር ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ብርሃን እዩ። ኣብኡ ሓንቲ እኳ ጸልማት የልቦን ( 1ዮው 1 ፣ 5 ) ።
ካብ ብርሃን ዝውለድ ብርሃን ስለዝኾነ ከኣ ንዓና ብርሃን ዓለም ኢኹም ኢሉና።

( ማቴ 5 ፣ 14 )

ኣብ ህይወት ክንመላለስ ከለና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብቃሉ ኣቢሉ ብርሃን ይህበና

ማለት ነቲ ቃሉ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ይገልጸልና እሞ፣ ነቲ ዝተገልጸልና ቃል

ስጉምቲ ብምውሳድ ኩሉ ሳዕ ብዓወት ከመላልሰና እዩ ዝደሊ። ዘይተገልጸልና ቃል

ንዓና ፊደል እንበር ብርሃን ኣይኮነን። ብቃሉ ብርሃን ናብ ህይወትና እንተመጺኡ

ጸገማትና ክስበር ኢና ንርኣዮ። ምኽንያቱ ንዝበርህ ብርሃን ዝሕዝ ጸልማት የልቦን (ዮው 1 ፣ 5 )

ብርሃን ቃሉ ብኸመይ ይረኽቦ?

ብግልኻ ብመንፈስ ኴንካ ቃሉ ብምንባብ ናይ ቃሉ ብርሃን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ቅልል ብዝበለ መንገዲ ግን ኣብዛ ሒዝካያ ዘለኻ ወርሓዊት ንእሽተይ መጽሓፍ ነዊሕ ከኺደካ ዝኽእል ዝተፈላለየ ኣብ ህይወት ዝገዝእ ጸልማት ከኣ ዘቃልዕ ብርሃን ክትረክብ ኢኻ እሞ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ሃዲእካ እናጸለኻ ኣንብብ እንዳ ኣንበብካ ጸሊ።

Reviews

There are no reviews yet.

Be the first to review “መንፈሳዊ”

Your email address will not be published. Required fields are marked *